Announcements | March 8, 2023

ውልቀ ምወላ (Private Sponsorship) እንታይ ማለት’ዩ?

“ዌልካም ኮር” ንኣሜሪካውያን ወይ ሕጋውያን ነበርቲ ኣሜሪካ (ሰብ ግሪን ካርድ)  ዝተኣታተወ ሓዱሽ መደብ ፈተነ ውልቀ ምወላ ስዱዳት እዩ፡፡

መተሓሳሰቢ፡ ስዱዳት በዚ ዕድል ንኽግልገሉ ወይ ንኽምዝገቡ ክፍሊት ኣይሕተቱን፡፡

ዌልካም ኮር፡ ሓዱሽ ተበግሶ ዳግመምጥያሽ ናብራ ስዱዳት PRM

ምትብባዕን ምጥንኻርን USRAP (ቢሮ ህዝቢ፣ ስዱዳትን ተመዛበልቲን ኣሜሪካ) ኣካል ብምምሕዳር ባይደን ካብ ዝግበሩ ዘለዉ ፃዕሪታት ምስፋሕ ዕድላት ቀጥታዊ ተሳትፎ ኣሜሪካውያን ኣብ ዳግመ ምጥያሽ-ናብራ ስዱዳት እዩ፡፡

ወፃኢ ጉዳይ ኣሜሪካ 19 ጥሪ ብዕሊ ዝኸፈቶ መደብ ዌልካም ኮርፕስ ኣሜሪካውያን ንስዱዳት ብናይ ባዕሎም ማሕበረሰብ ትርጉም ዘለዎ ተሳትፎ ብምግባር ዕዉት ዳግመ-ናብራ ንኽምስርቱ ዓሊሙ ብፕረዚዳንት ባይደን ብዝተውሃበ ትእዛዝ ትግበራ መደብ ዳግመ-ህንፀትን ምጥንኻርን ዳግመ-ናብራ መሰረት ስዱዳት ብውልቀ መወልቲ ንኽሕገዙ ዘተባብዕ መደብ እዩ፡፡

ዌልካም ኮር (Welcome Corps) መደብ ፈተነ ውልቀ መወልቲ ንስዱዳት ኮይኑ ብቐንዲ ኣብ ዝተፈላለዩ ንጥፈታት ዝነጥፉ ሽዱሽተ ትካላት ዝሓቖፈ እዩ፡፡ እዞም ትካላት ድማ ብCommunity Sponsorship Hub (CHS) ዝጥርነፉ ኮይኖም Church World Services (RWC), Integrated Refugee & Immigrant Services (IRIS), International Refugee Assistance Project (IRAP), International Rescue Committee (IRC)ን Welcome USን ዝሓቖፈ ይኸውን፡፡

ኣብ መላእ ኣሜሪካ ዝርከቡ ኣብ ሓደ ከባቢ ወይ ተቐራሪቦም ዝነብሩ ቁፅሮም ሓሙሽተን ልዕሊኡን ዝኾኑ ኣሜሪካውያንን ሕጋውያን ነበርቲን (ሰብ ግሪን ካርድ) እንዳተወደቡ ንዳግመ-ምጥያሽ ናብራ ናብ ኣሜሪካ ንዝመፁ ስዱዳት ክሳብ እግሪ ዝተኽሉ ን90 መዓልቲ መፅለሊ ገዛውቲ ከዳልዉ፣ ካብ መዕርፎ ነፈርቲ ክቕበሉ፣ ቆልዑት ናብ ቤት ትምህርቲ ከምዝገቡ፣ ንዝባፅሑን ንዓበይቲን ስራሕ ንኸትሕዙን ብኻልእ ኣገላልፃ ዳግመ-ናብራ ንኽጅምሩ ግልጋሎት ንምቕራብ ከመልክቱ ይኽእሉ፡፡

ውልቀ መወልቲ ትካላት (Private Sponsor Organizations/PSOs) ቅድም ኢሎም ኣብ ስራሕቲ ዳግመ-ናብራ ስዱዳት ዝፀንሑን ዘይፅንሑን ጉጅለ ውልቀ መወልቲ (Private Sponsor Groups /PSGs) ዝገብርዎም ምንቅስቓሳት ናይ ምክትታል ግቡእ ኣለዎም፡፡ ኣብ ባይታ ዝርከቡ ሕሉፍ ተሞክሮ ዘለዎም ውልቀ መወልቲ ትካላት ምምሕዳራዊን ቴክኒካዊን ደገፋት ከቕርቡ ይግባእ፡፡

እዚ መደብ ብኽልተ ክፋላት ይምቀል፡

  • ቀዳማይ ክፋል – “ምዝማድ” ኮይኑ ቅድም ኢሎም ኣብ መስመር USRAP ዝፀንሑ ጉጅለ ውልቀ መወልቲ ምስ ስዱዳት ክዛመዱ ይገብር
  • ካልኣይ ክፋል – “ምልላይ” ኮይኑ ካብ ፍርቂ 2023 ጀሚሮም ግጅለታት ውልቀ መወልቲ ካብ ወፃኢ ክምውልዎም ንዝሓሰቡ ስዱዳት ንኸለልዩ ይገብር፡፡ እዚኣቶምውን ብምትሕብባር USRAP ዝስርሑ ይኾኑ፡፡ ናይዚ መደብ ቀንዲ ዕላማ ኣብ 2023 በዞም ክልተ ክፋላት ኣቢልካ 10000 ኣሜሪካውያን ብምልዕዓል 5000 ስዱዳት ብውልቂ ንምምዋል ይኸውን፡፡ ዋላኳ እዚ መደብ ምስ ብሕብረተሰብ ዝምራሕ co­­-sponsorship ተመሳሳልነት እንተሃለዎ እዞም ክልተ ተበግሶታት ብፍሉይ መልክዕ ኣብ ምቅርራብ ዌልካም ኮር (Welcoem Corps) ምስ ማሕበረሰባዊ ምወላ (Community Sponsorship) ዓብዪ ተራ ኣለዎም፡፡

ዌልካም ኮር (Welcome Corps)ን R&P (Reception & Placement) መማረፂ (ሓጋዚ) ደኣምበር ተካኢ ኣይኮነን፡፡ ብውልቀ ምወላ ዝመፁ ስዱዳት ከም በዓል MG, PC, RSS ዝኣመሰሉ ግልጋሎት ORR ናይ ምርካብ ምሉእ መሰል ስለዘለዎም ኣብ ከባቢኦም ንዝርከቡ ወኪላት ዳግመ-ናብራ (RAs) ክውከሱዎም ይኽእሉ፡፡

ተወሰኽቲ ሕቶታት ይህልዉኹምዶ?

ስዒቦም ናብ ዘለዉ ድሕረገፅ ዌልካም ኮር ብምእታው ሓበሬታ ርኸቡ፡-

ብተደጋጋሚ ንዝሕተቱ ሕቶታት፡

https://welcomecorps.org/resources/faqs/

ስልጠና ንምውሳድ፡

https://welcomecorps.org/resources/essentials-training/

እዚ መደብ ስልጠና’ዚ ከም ጉጅለ ውልቀ-መወልቲ ኮይኖም ኣብ ዌልካም ኮርፕስ ኣሜሪካ ንዝሳተፉ መሰረታዊ ፍልጠት ንኸትሕዝ ዝዓለመ እዩ፡፡ ሰልጠንቲ ካብዚ ስልጠና ቀንዲ ግልጋሎታት ውልቀ ምወላ (ንኣብነት መፅለሊ ገዛ፣ ምርካብ ግልጋሎታትን ጥቕማጥቕሚን፣ ባህላዊ ዝምድናታት) ከምኡውን ምስ ምስላጥ ናይ ነዊሕ እዋን ምትእስሳር ስዱዳት ኣመልኪቱ ዕምቈት ዘለዎ መረዳእታ ዝወሃበሉ ስልጠና እዩ፡፡ ካብዚ ብተወሳኺ ካልኦት ምስ ስነልቦናዊ ምድላው፣ ህንፀት ቀረብ ብጉጅለ ውልቀ መወልቲ፣ ምትእኽኻብ እቶት፣ ምድላው ትልሚ ዌልካምን ምፍጣር ዓቕሚ-ተፃዋርነት ዝምልከቱ ርእሲታት የካትት፡፡

እዚ ስልጠና’ዚ ንሕድሕድ ኣባላት ጉጅለ ውልቀ መወልቲ ኣድላዪ’ኳ እንተኾነ ካብ ሓንቲ ጉጅለ ብውሑድ ሓደ ሰብ ምስልጣን ግን ግድን ይኸውን፡፡

ፍልፍል ቤተንባብ፡

(Resources – Welcome Corps https://welcomecorps.org/resources/)

ኣብዞም ኣብ ላዕሊ ዝተሓበሩ ቀንዲ ርእሲታት ኣመልኪቱ ሰፊሕ ዳህሳስን ፍልጠትን ንምርካብ እዚ (https://welcomecorps.org/resources/) ቤተንባብ’ዚ ዓቢ ፍልፍል ኮይኑ ከምዘገልግል ይእመነሉ፡፡

ተወሳኺ ሕቶታት ምስዝህልዉ FAQ ዝብል ክፋል ምርኣይ ክሕግዝ’ዩ፡፡